|
Written by Eritrean Room For Strong And United Opposition
|
|
Saturday, 10 March 2007 |
ኣገዳሲ ህዝባዊ ምልክታ / መጸዋዕታ ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኤርትራዉያን፡ ኣቐዲሞና ልባዊ ሰላምታና ይብጻሕኩም።
ቐጺልና ንሰሉስ ዕለት 13 መጋቢት (March) 2007, ስዓት 9፡30 ናይ ምሸት ብናይ ኤሮፓዉያን ኣቆጻጽራ፡ ኣባላት ናይ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመደበሩ፡ ኤርትራዊ ምንቅስቃስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ) ባሂሉ ዝጽዋዕ፣ ብዘይጎነጻዊ ኣገባብ፡ ንሓርነቱን ሰብኣዊ ክብሩን ደው ዝብል ሓያል ሕብረተሰብ ኣብ ኤርትራ ንምህናጽ ዝቃለስ ማሕበር፡ ኣብ ፓልቶክ (Paltak) ኣብ ኣዳራሽ "Eritrean Room For Strong And United Opposition" ብምምጻእ ብዛዕባ ማሕበሮምን ሬዲዮ ድምጺ መሰልና ደሊናን ኣገዳሲ ሓበሬታ ንኽሕቡርና ክመጹ ስለ ዝዀኑ ኩልኹም ብጉዳይ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ እትግደሱ ኽቡራት ዜጋታት ምሳና ሓቢርኩም ከተምስዩ ብትሕትና ንዕድም፡ |
|
Read more...
|