Sudan and Eritrea PDF Print E-mail
Written by GIC   
Tuesday, 06 February 2007

መንግስቲ ሱዳን መንጎኝነት ኤርትራ ብመንገዲ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ክኸውን ይሓትት ፣ ኣቦ መንበር ምብራቓዊ ግንባር ሱዳን ናይ ገዛ እሱር ኮይኑ ።

 መንግስቲ ሱዳን መንጎኝነት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ዳርፉር ሕልኽላኽ መታን ከይፈጥር ምስ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ከተወሃህድ ብወግዒ ሓቲቱ ። ኣማኻሪ ፕረሲደንት ሱዳን ዶር ማሕጁብ ኣልከሊፋ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ወግዓዊ ጻውዒት ከምዝገበረ እቲ ዝረኸብናዮ ሓብሬታ ወሲኹ ገሊጹ ።

መንግስቲ ኤርትራ ንጉዳይ ዳርፉር ንምፍታሕ ከምቲ ናይ ምብራቕ ሱዳን በይናዊ ተበግሶ ወሲዱ ክፈትሖ ይጽዕር እኳ እንተሃለወ ብግስ ከይበለ ብዙሕ ጸገማት የጋጥሞ ኣሎ ። እዚ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝወሰድ ዘሎ በይናዊ ተበግሶ ካልኦት ዓለምለኻዊ ውድባት ውዱብ ሓድነት ኣፍሪቃ ፣ውዱብ ሕቡራት ሃገራትን ኤውረጳዊ ሕብረትን ብትዓዛብነት ዘየሳትፍ ስለዝኾነ ውሕሰነት የብሉን ክብሉ ዝገለጹ ተዓዘብቲ እዚ ኤርትራ ትወስዶ ዘላ ተበግሶ ነቲ ኩነታት መሊሱ ክሓላልኾዩ ክብሉ ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና ኣቦ መንበር ምብራቓዊ ግንባር ሱዳን ኣቶ ሙሳ መሓመድ ኣሕመድ ኣብ ትሕቲ ናይ ገዛ ቀይዲ ኣትዩ ከምዘሎን ካብ ኣስመራ ከይወጽእ ከምዝተኸልከልን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ገሊጹ ። ኣብ ሱዳን ዝርከቡ መሪሕነት በጃ ኮንግረስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ምብራቕ ሱዳን ትገብሮ ዘላ ኢት ምትእትታው ደው እንተዘይ ኣቢላ እቲ ብመንጎኝነታ ዝተበጽሐ ስምምዕ ክጥሕሶ ምዃኑ ኣፍሊጡሎ ።



Share it
Reddit!Del.icio.us!Facebook!Slashdot!Netscape!Technorati!StumbleUpon!Newsvine!Furl!Yahoo!Ma.gnolia!Free social bookmarking plugins and extensions for Joomla! websites! title=
share this article>>
Delicious
Furl it!
Spurl
NewsVine
Reddit
YahooMyWeb
Technorati
Digg
Hugg
Fark
Technorati
Shadows
 
< Prev   Next >