Eritreans in Libya PDF Print E-mail
Written by GIC   
Wednesday, 07 February 2007

ጻውዒት ኤርትራውያን ካብ ሊብያ

ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ መርበብ ሓበሬታት ኢንተርነት ከምዝተሓበረ ልዕሊ 400 ኤርትራውያን ኣብ ሊብያ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሳቐዩ ምህላዎም ተሓቢሩ ኔሩ ። ሎሚ ካብቲ ቤት ማኣሰርቲ ብዝበጸሓና ተደጋጋሚ ናይ ቴለፎን ጻውዒታት መሰረት እቲ ቁጽሪ ናብ 600 ክብ ኢሉ ከምዘሎን ሎሚ መዓልቲ ቅድሚ ፋዱስ ወኪል ኤንባሲ ኤርትራ ኣብ ሊብያ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ብምምጻእ ናብ ዓዶም ክምለሱ ክምዝገቡ ከምዘለዎም ዘጉባዕብዕ ሓበሬታ ሂቡዎም ኣሎ ። ብተወሳኺ እቶም እሱራት ክምዝገቡ ብወተሃደራት ሊብያ ጸቕጢ ይገበረሎም ከምዘሎን ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ናዕቢ ከምዝወዓለ ሓቢሮም ኣለዉ ።

ኣብ መወዳእታ እቶም እሱራት ናብ ኤርትራ ከይስጎጉ ዘለዎም ስግኣት እናዓበይ ይመጽእ ብምህላዉ ንኹሎም ኤርትራውያን ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ ናይ ሂወት ምድሓን ተበግሶታት ክወስዱ ይጽውዑ ኣለዉ ።

ዝኾነ ብዛዕባ እዚ ኩነታት ከረጋጽ ዝደለየ ሰብ በዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ቴለፎን ደዊሉ ነቶም ኤርትራውያን ኣቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ክረኽቦም ከምዝኽእል ክንሕብር ንፈቱ ። 00218924298075




Share it
Reddit!Del.icio.us!Facebook!Slashdot!Netscape!Technorati!StumbleUpon!Newsvine!Furl!Yahoo!Ma.gnolia!Free social bookmarking plugins and extensions for Joomla! websites! title=
share this article>>
Delicious
Furl it!
Spurl
NewsVine
Reddit
YahooMyWeb
Technorati
Digg
Hugg
Fark
Technorati
Shadows
 
< Prev   Next >