|
Written by Administrator
|
|
Sunday, 18 February 2007 |
ንኩሎም አብ ከተማ ሊድስን ከባቢኣን ዝነብሩ ኤርትራውያን (ዓባይ ብሪጣንያ) ንሰንበት 25 የካቲት 2007 ናይ ኩሎም ኣብ ከተማ ሊድስን ከባቢኣን ዝርከቡ ኤርትራውያን ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ሰሚናር ክካየድ ኢዩ። እዚ ብኣባል ፈጻሚ ሽማግለ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ስርርዕ ዝምራሕ ሰሚናር እዚ፡ ንኹሉ ኣባል ውድብን አብኡ ዝርከብ ኤርትራውን ዝምልከት ሀገራዊ ጉዳያት ኣልዒሉ ክዝቲ ኢዩ። ኣብ ርእሲ`ዚ፡ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ መሪር ኩነታትን ካብኡ ንምግልጋል ክውሰዱ ዘለዎም መንገድታት ቃልስን ብሰፊሑ ክዝረበሉ ኢዩ።
ኩሉ ኣብ ሊድስን ከባቢኣን ዝርከብ/እትርከብ ኣባልን ዘይ አባልን ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ዕለት ንኽርከብ/ንኽትርከብ እናተማሕጰንና በዚ ቁጵሪ ተሌፎን ደዊሉ/ላ ናይ መአከቢ ቦታ አድራሻ ክረክብ/ክትረክብ ከም ዝከኣል ንሕብር። ቦታ ሰሚናር ፡ ኣብ 07932520810 ሕተት/ቲ ሰሚናር ዝጅመረሉ ሰዓት: 14:00 – 17:30 ሽማግለ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ |