EDA congress continues PDF Print E-mail
Written by GIC   
Monday, 19 February 2007

ጉባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ኣገደስቲ ውሳኔታት ብምሕላፍ ይቕጽል ኣሎ ።

ሓሙሻይ መዓልቱ ኣቑጺሩ ዘሎ ጉባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ኣብ ኣገደስቲ ሰነዳት ናይቲ ኪዳን ዓሞቕቲ ዘተታት ብምክያድ ኣገደስቲ ለውጥታት ብምግባር ብልዙብ መንፈስ ይቕጽል ከምዘሎ ወኪል ጋልፍ ኤንፎርሜሽን ሰንተር ካብቲ ቦታ ሓቢሩ ።

ኤ.ዲ.ኪ ኣብ ናይ ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ኣኼቡ ንጉዳይ ቻርተር ብጽሞና ብምራይ ብዛዕባ መሰል ብሄራት ስጋብ ምግንጻልን ምምሕዳር ብሕጊ ሃይማኖትን ዝገልጻ ዓንቀጻት 3ን 4ን ዘድሊ ምምሕያሻት ብምግባር ማእከላይ ናይ ኣማራጺ ዓንቀጻት ብምቕማጥ ከምዘመሓሽ እቲ ዝመጸና ሓበሬታ ወሲኹ ገሊጹ ።

እቲ ኣኼባ ሎሚ መዓልቲውን ቀጺሉ ውዒሉ ከምዘሎን ብመሰረት ተሰሪዑሉ ዝነበረ ናይ ጌዜ ሰሌዳ ጽባሕ ክውዳእ ትጽቢት ይግበረሉ ። ጉባኤ ኤ.ዲ.ኪ ኣገደስቲ ምምሕያሻት ኣብ ቻርተር ምግባሩ ከም ዓቢ ዝላ ዝረኣ ኮይኑ ነቲ ተመሓይሹ ቀሪቡ ዘሎ ቻርተርን መደብ ዕዩ ብዝግባእ እተተግብር መሪሕነት ምምራጽ ናይዚ ጉባኤ ዝለዓለ ዕማምዩ ክብሉ ብዙሓት ትዓዘብቲ ይገልጹ ኣለዉ ። ቐንዲ ሽግር ምትእኽኻብ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ድኻም ናይ መሪሕነት ኮይኑ ምጽንሑ ንኹሉ ብሩህዩ ፣ ስለዚ ዝጽበዩና ዕማማትን ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ስራሕ ባይታ ኣብ ግምት ብምእታው ጉባኤ ኤ.ዲ.ኪ ካብ ቁሩቁስ ናይ መሪሕነት ብምውጻእ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ብቑዓት መራሕቲ መሪጹ ብዓወት ክወጽእ ትጽቢት ይግበረሉ ።



Share it
Reddit!Del.icio.us!Facebook!Slashdot!Netscape!Technorati!StumbleUpon!Newsvine!Furl!Yahoo!Ma.gnolia!Free social bookmarking plugins and extensions for Joomla! websites! title=
share this article>>
Delicious
Furl it!
Spurl
NewsVine
Reddit
YahooMyWeb
Technorati
Digg
Hugg
Fark
Technorati
Shadows
 
< Prev   Next >