|
Wednesday, 21 February 2007 |
ጸብጻብ ዛዛሚ ኣኼባ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳንጉባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ድሕሪ ነዊሕን ዓሚቑን ዘተታት ትማሊ ኣማስይኡ ጉባኤኡ ብዓወት ተዛዚሙ ። ጉባኤ ኤ.ዲ.ኪ ኣብ ናይ ትማል ኣኼብኡ ካብ ነብሲ ወከፍ ውድብ ዝተወከሉ ኣባላት መሪሕነት ብምቕባል ንዝቕጽል ግዜ ዝሰርሑ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ተቐቢሉ ኣጽዲቑ ። ኣብቲ ዝተገብረ ናይ ውክልና መስርሕ ዳርጋ ኩለን ኣባል ውድባት በጀካ ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራን ሰልፊ ኣልናህዳን ከምኡውን ፈደራላዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ እቶም ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩ ወኪላተን ደጊመን ኣቕሪበንኦም ኣለዋ ። ኤ.ዲ.ኪ ሎሚ ኣማስይኡ ትሽዓት ዝኣባላታ ፖለቲካው ቤትጽሕፈት ብምምራጽ ጉባኤኡ ክዛዝም ትጽቢት ይግበረሉ ።
ጉባኤ ኤ.ዲ.ኪ ናይ ሰለሰተ ካብ ኪዳን ወጻኢ ዝረከባ ውድባት ፋይል ተቐቢሉን ንጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ኣልዒሉ ብምዝታይን ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ክካየድ ብምውሳን ንተግባራውነቱ ንማእከላይ መሪሕነት ሓላፍነት ሂቡ ። ከምኡውን ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝግበር ቃልሲ ብዝለዓለ ዓቕሚ ንምቅልጣፉ ከይተሓለለ ክሰርሕን ኣብ ውሽጢ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብምስላዅ ዕምሪ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝሓጽረሉ ኣማራጺታት ክህንደስ ተሰማሚዑ ። |