Darfour PDF Print E-mail
Written by GIC   
Friday, 23 February 2007

ኤርትራ ኣብ መስርሕ ሰላም ዳርፉር ዕንቅፋት ትገብር ኣላ ተባሂሉ ።

ሽግር ዳርፉር ንምፍታሕ ብማእከልነት ሊብያ መራሕቲ ኤርትራን ቻድን ኣብ ዝርከብሉ ኣጋጣሚ ዝግበር ዘሎ ናይ ሰላም ተበግሶ ብሰንኪ መንግስቲ ኤርትራ ዝገብሮ ዘሎ ዘይሕጋውን ውሕሰነት ዘይብሉን ኣካይዳ ክተሓላለኽን ዕንቅፋት ከጋጥሞን ይረኣ ኣሎ ክብላ ራኢኣልዓምን ኣልሰሓፋን ዝተባህላ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታተን ሱዳን ኣብ ናይ ትማሊን ሎሚን ሕታመን ሓቢረን ።



መንግስቲ ኤርትራ ብመንገዲ ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ዓብደላ ጃብር ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ንመንግስትን ተቓወምትን ሱዳን ንምቅርራብ ዘይቀጥታዊ ዘተ ክገብር እኳ እንተፈተነ ፣ ተቃወምቲ ዳርፉር ዓለምለኻዊ ተዓዛቢ ክህሉ ብሰንኪ ዘቕረብዎ ቅድመ ኩነት ፈሺሉ ክብላ እተን ጋዜጣታት ሓቢረን ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘይምልከቶ ጉዳይ ሸንኮለል ዝብለ ዘሎ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣጋጢምዎ ዝርከብ ፖለቲካውን ቁጠባውን ፍሽለት ንምሽፋንን ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኣወንታዊ ተራ የበርክት ኣለኹ ብምባል ንኢትዮጵያ ንምሕራቕን እዩ ክብሉ ተዓዘብቲ ገሊጾም ። ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሱዳን ኣንባሳዶር ነበር ኣቶ ዑስማን ኣሰይድ ንጋዜጣ ኣልሰሓፋ ኣብ ዝሃቦ ሪኢቶ ዝምድና ሱዳንንን ኢትዮጵያን በዚ ኤርትራ ትገብሮ ዘላ ዝጽሎ ኣይኮነን ክብል ነቲ ኩነታት ገምጊሙ ።

ከምዝፍለጥ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ምስ መንግስቲ ሱዳን ዝምድንኡ ንምምሕያሽ ዝተፈላለዩ ናይ ሰላም ተበግሶታት ክወስድ እኳ እንተጸንሐ ብመንጽር እቲ ዝወሰዶ ግዜን ዝተወርየሉን ዕዉት ኣይነበረን ። ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝተወስደ ተበግሶ ነዊሕ ከይከደ ብሰንኪ መንግስቲ ኤርትራ ዝገበሮ ጣልቃ ምእታው ክፈሽል ይረኣሎ ።



Share it
Reddit!Del.icio.us!Facebook!Slashdot!Netscape!Technorati!StumbleUpon!Newsvine!Furl!Yahoo!Ma.gnolia!Free social bookmarking plugins and extensions for Joomla! websites! title=
share this article>>
Delicious
Furl it!
Spurl
NewsVine
Reddit
YahooMyWeb
Technorati
Digg
Hugg
Fark
Technorati
Shadows
 
< Prev   Next >