More news regarding EDA split PDF Print E-mail
Written by GIC   
Monday, 26 February 2007

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ኣብ መሪሕነት ክሰማማዕ ስለዘይከኣለ ኣብ ክልተ ተመቒሉ ።

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዕለት 16/02/2006 ጀሚሩ ከካይዶ ዝጸንሓ ቀዳማይ ጉባኤኡ ኣብተን ቀዳሞት መዓልታት ኣኼቡ ብሰላም ከካይድ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ምምራጽ መሪሕነት ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ክሰማማዕ ብዘይምኽኣሉ ኣብ ክልተ ከምዝተመቕለ ወኪል ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር ካብቲ ቦታ ሓቢሩ ።

ቀዳማይ ጉጅለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ፣ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ክኾኑ እንከለዉ እቲ ካልኣይ ጉጅለ ድማ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ፣ እስላማዊ ሰልፊ ንፍትሕን ምዕባለን ፣ ምንቅስቓስ እስላማዊ ጽግና ፣ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ግንባር ( ሳግም) ፣ ምንቅስቓስ ንሓርነት ኩናማን ኤርትራዊ ፈደራላዊ ምንቅስቓስን እዮም ። ብመሰረት እቲ ስጋብ ሕጂ በጺሑና ዘሎ ሓበሬታ ገለ ኣባል ውድባት ኪዳን ድሒሮም ከም ጉጅለ ዝተጠርነፉ ንሓሰን ከሊፋ ዳግማይ ክምረጽ ምስተረቑሐ እቲ ጉጅለታት ክረኣ ከምዝጀመረ ይግለጽ ኣሎ ። ብድሕርዚ ብወገን ቀዳማይ ጉጅለ ንመሓመድ ኑር ኣሕመድ ኣባል ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ ከም ሕጹይ ምስ ኣቕረቡ በቲ ካልኣይ ጉጅለ ተነጺጉ ።


ኣብ ከምዚ ዘይምስምማዕ ኩነት እንከለዉ መፍትሒ ንምንዳይ ኮሚቴ ብምምራጽ ካብ ክልቲኡ ወገን ሓደስቲ ሕጹያት ክቐርቡ ምስተሰማምዑ ብወገን ቀዳማይ ጉጅለ ዓብደላ ኣደም ካብ ሃገራዊ ድሕነት ካብ ናቶምን ሓሰን ኣሰድ ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከኣ ካብቲ ሓደ ጉጅለ ከም ሕጹያት ኣቕረቡ ።ብወገን እቲ ካልኣይ ጉጅለ ድማ በሽር ይስሓቕ ካብ ፌደራላዊ ምንቅስቓስ ሕጹይ ቀረበ ። ሓሰን ኣሰድ ብገዛእ ውድቡ ተቓውሞ ኣጋጢምዎ ተነጽገ ፣ ዓብደላ ኣደምን በሽር ይስሓቕን ብኣንጻር ጉጅለታት ተነጺጎም ናብ ናይ ሓባር ውሳኔ ክበጽሑ ብዘይምኽኣሎም ክልተ ጉጅለታት ተፈጢሩ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ምስ በጸሓ ቀዳማይ ጉጅለ ኣኼባ ኪዳን ገዲፉ ከምዝወጸ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊጹ ።
ኣብ መወዳእታ ካልኣይ ጉጅለ ኣኼብኡ ብምቕጻል ንሓሰን ከሊፋ ከም ኣቦመንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ንተወልደ ገብረስላሴ ድማ ከም ኣቦመንበር ማእከላይ መሪሕነት ብምምራጽ ኣኼብኡ ዛዚሙ ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሓድሽ ሰልፊ ሰልፊ ትንሳኤ ነቲ ዘጋጠመ ምጉጅጃል ብምንጻግ ኣባልነቱ ካብ ኪዳን ኣደስኪሉሎ ።

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር በቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ምምቕቓል ዘለዎ ስክፍታ እናገለጸ ንኩሎም መራሕቲ ውድባት ካብዚ ዘሎ ዕግርግር ወጺኦም ንቕድሚት ክጥምቱ ህዝቢ ንዘሰከሞም ሓላፍነት ብግቡእ ክዋጽኡ ይላቦ ።



Share it
Reddit!Del.icio.us!Facebook!Slashdot!Netscape!Technorati!StumbleUpon!Newsvine!Furl!Yahoo!Ma.gnolia!Free social bookmarking plugins and extensions for Joomla! websites! title=
share this article>>
Delicious
Furl it!
Spurl
NewsVine
Reddit
YahooMyWeb
Technorati
Digg
Hugg
Fark
Technorati
Shadows
 
< Prev   Next >