update on Eritreans in libya PDF Print E-mail
Monday, 05 March 2007

ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኤርትራውያን እሱራት ኩነታቶም እናኸፋ ይኸይድ ከምዘሎ ይገልጹ ኣለዉ ።

ካብ ሊብያ ካብ እሱራት ኤርትራውያን ዝበጸሓና ናይ ቴለፎን መልእኽቲ ከምዝሕብሮ ኩነታቶም ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናኸፋ ይኸይድ ከምዘሎ ይገልጹ ኣለዉ ። እቶም እሱራት ኣብ ዝሃብዎ ሓብሬታ ኣብ ምስራታ ዝተባህለ ቤት ማእሰቲ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝርከብ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ምስ እዚ ዘሎ ናይ ሓጋይ ቁሪ ብዙሓት ብሕማማት ተጠቖዖም ምህላዎምን ዝኾነ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ይረኽቡ ከምዘየለው ገሊጾም ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሕጽረት መሰረታዊ ነገራት ኣብ ቦቱኡ ኮይኑ ደቀንስትዮ እሱራት ብሕጽረት ናይ ጽርየት ነገራት ኣዝየን ይሳቐያ ከምዘለዋ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ ብፍላይ ድማ ንወርሓዊ ጽግያት ዝጥቀማሉ ሞዴስ ብዘይ ምርካበን ኣብ ከቢድ ስነኣእምራዊን ከባቢያዊን ጸቕጢ ከምዝርከባ ሓቢሮም ።

ብተወሳኺ እቶም እሱራት ንኹሎም ብቴለፎን ደዊሎም ዘጸናንዕዎምን ንጉዳዮም ዓለምለኻዊ ኣቃልቦ ንኽረክብ ከይተሓለሉ ዝሰርሑ ዘለዉ ሃገራውያን እናመስገኑ ጻዕርታትኩም ኣበራትዑ ክብሉ ለበዎኦም ኣመሓላሊፎም ።
 
< Prev   Next >

Login to Alenalki






Lost Password?
No account yet? Register

Syndicate

Who's Online

We have 91 guests online