News from Eritrea PDF Print E-mail
Monday, 19 March 2007

ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ሃለኽቲ ነገራት ዝቕርባ ዝነበራ ፋብሪካታት ይዕጸዋ ።

 

ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ዝኽተሎ ገባቲ ቁጠባዊ ፖሊሲ ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ሃለኽቲ ከቕርባ ዝጸንሓ ፋብሪካታት ከምዝተዓጽዋ ካብ ውሽጢ ሃገር ዝበጸሓና ሓበሬታ ገሊጹ ።

ፋብሪካ ኦሞን ሳሙናን ኣስመራ ፣ ፋብሪካ ክብሪትን ፋብሪካ ዘይቲ ኣስመራ ብሰንኪ ምስ ኣታዊኣን ዘይመጣጠን ዝተሰለዓለን ቀረጽን ነውጺ ናይ ዕዳጋን ክቕጽላ ብዘይምኻለን ተዓጸየን ከምዘለዋ እቲ ዝበጸሓና ሓበሬታ ገሊጹ ። ኣብ ተመሳሳሊ ዜና ፋብሪካ ሽጋራ ኣስመራ (ሞኖፖልዮ ) ኣብ ተመሳሳሊ ናይ ምዕጻው ኩነታት ከምዝርከብን ዋሕዲ ቀረብ ሽጋራ ኣብ መላእ ሃገር ብሰፊሑ ይረኣ ኣሎ ዝበለ እቲ ሓበሬታ ብሰንኪ ዋሕዲ ቀረብ ዜጋታት ሽጋራ ንምርካብ ኣብ ማእከላት መዐደሊ ተሰሪዖም ከምዝወዕሉን ተገሊጹ ።


ከምዝፍለጥ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣውፈርቲ ብዝኽተሎ ኣጋትን ዓብላልን ናይ ወፍሪ ፖሊሲ ብዙሓት መሰረታዊ ሃለኽቲ ነገራት ከፍርያ ዝጸንሓ ፋብሪካታት ካብ ምፍራይ ዓዲ ውዒለን ከምዘለዋ ዝፍለጥዩ ። ፋብሪካ ልስሉስ መስተ ኣስመራ ( እንዳ ኮላ) ብሰንኪ ዘጋጠሞ ክሳራ ኣቛሪጹ ኤርትራ ኣብ ኣፍሪቃ እታ እንኮ ሃገር ልስሉስ መስተ ዘይብላ ሃገር ከም እትኸውን ጌርዋ ይርከብ ።

 
< Prev   Next >

Login to Alenalki






Lost Password?
No account yet? Register

Syndicate

Who's Online

We have 139 guests online