Sudan refuses UN request PDF Print E-mail
Written by GIC   
Wednesday, 21 March 2007

መግስቲ ሱዳን ንጠለብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታትነጺጉዎ ።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቶም ኣብ ምብራቕ ሱዳን ንዓመታት ከም  ስደተኛታት ኮይኖም ክቕመጡ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ኣብ ሱዳን መንነት ተዋሂብዎም ኣብ ህዝቢ ተጸንቢሮም ክነብሩ ንዘቕረቦ  ጠለብ መንግስቲ ሱዳን ከምዝነጸጎ ኣልሰሓፋ ዝተባህለት ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ሱዳን ኣብ  ናይ ሎሚ ዕለት 20/03/2007 መበል 4944 ሓታማ ገሊጻ ።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ምምላሽ ስደተናታት ዝፈጥሮ ዘሎ ሕልኽላኻትን ፣ ምስጓግ ሰራሕተኛትት እቲ ኮሚሽን ካብ ኤርትራን  ፣ ኣብያ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ምምላስን ኤርትራውያን ኣብ ምብራቕ ሱዳን ኣብቲ ህዝቢ  ተጸንቢሮም መንነት ተዋሂብዎም ኣብ ሱዳን ከም ዜጋታት ክነብሩ  ናብ መንግስቲ ሱዳን ክሓትት ከምዝተገደደ ካብቲ ኮሚሽን ዝወጸ ሓበሬታ ገሊጹ ።

 መንግስቲ ሱዳን ነቲ በቲ ኮሚሽን ዝተዋህበ ጠለብ ኣብዝሃቦ መልሲ ንኩሉ ስደተኛ ብሓፈሻ መንነት ተዋሂብዎ ክነብር ከምዘይቕበልን ፣ ኣብ ፍሉይ ጉዳያት ግን ምትሕብባር ክገብር ምዃኑ ገሊጹ ።   

ከምዝፍለጥ ካብ ሰለስተ ወገናት ማለት መንግስቲ ሱዳን ፣ ኤርትራን ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝወጸ ኮሚቴ ምምላስ ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ምምላስ ኤርትራውያን ዝተኮረ መደብ ሒዙ ክሰርሕ እዃ እንተጸንሓ ብሰንኪ መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ መስርሕ ዝፍጥሮ ሕልኽላኽን ፣ ተመለስቲ ኣብ ሃገር ምስ  ተመልሱ ዘሃጥሞም ኩለመዳያዊ ጸገማትን  እቲ መደብ ብግስ  ከይበለ ፍሽለት ኣጋጢምዎ መብዛሕቶም  እቶም ተመለስቲ ከምበሓድሽ ናብ ሱዳን ተመሊሶም ይርከቡ ።




Share it
Reddit!Del.icio.us!Facebook!Slashdot!Netscape!Technorati!StumbleUpon!Newsvine!Furl!Yahoo!Ma.gnolia!Free social bookmarking plugins and extensions for Joomla! websites! title=
share this article>>
Delicious
Furl it!
Spurl
NewsVine
Reddit
YahooMyWeb
Technorati
Digg
Hugg
Fark
Technorati
Shadows
 
< Prev   Next >