|
Written by du =Hu Ü“• c
|
|
Tuesday, 04 April 2006 |
ስቅያት እተገፉ ተመሃሮ ኣብ ዊዓቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ስርዓት ኣስመራ ካብ ከረንን ኣስመራን ዓዲ ዃላን መንደፈራን ዝገፈፎም ልዕሊ 30,000 ዝዀነ ተመሃሮ ኣብ መደበር ታዕሊም ዊዓ ከምዝርከቡ ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ ዝተሓተ ደረጃ ሙቐት ኣብ ዊዓ 40 ዲግሪ ሰንቲግረይድ ኢዩ። ኣብ’ዚ መደበር’ዚ ንሰልጠንቲ ኣብ መዓልቲ ዝውሃብ መግቢ ሰለስተ ባንን ማይ ዝበዝሖ ዓደስን (ብርስን) ምዃኑ ይፍለጥ። ነቶም ካብ’ቲ ማእሰርቲ ከምልጡ ዝፍትኑ ይኹኑ፡ ካብ ስነስርዓት ወጺኦም እተባህሉ ሰልጠንቲ ዝውሃብ መቕጻዕቲ፡ ኵርንኵሪት፡ ነፋሪት፡ ቀጽሪ 8፡ ምስ ጕንዲ ምእሳር፡ ኣብ ጽሓይ ምንቅዕራር፡ ብበትሪ ምድግዳግ፡ ኣብ ሑጻ ምንፍሓዅ ...ወዘተ የጠቓልል። ብስእነት ሕክምናን መኣዛ ዘይብሉ መግብን ብዓሶ፡ ውጽኣት፡ ሕማም ርእሲ፡ ዝኣመሰሉ ቀለልቲ ሕማማት ዝሞቱን ዝጽለሉን ብዙሓት ምዃኖም ይንገር።
ስድራቤታቶም፡ ሃለዋቶም ንምፍላጥ፡ ናብ ምምሕዳር ቤት ትምህርቲ ደጋጊሞም እኳ እንተተመላለሱ፡ ኣይረኣናን፡ ኣበይ ከምዝወሰድዎም ኣይንፈልጥን ካብ ዝብል መልሲ ሓሊፎም ካልእ ዝረኸብዎ ሓበሬታ የለን። ሰበስልጣን ኣዝማድ ዘለውዎም ገለገለ ሰልጠንቲ ግን፡ ብሕማም ኣመሳሚሶም ካብ ዊዓ ከምዘውጽእዎም እሙናት ምንጪታት ይሕብሩ። ደቆም ካብ ኣገልግሎት ዘምለጡ ወለዲ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጸም ማእሰርትን ናይ 50,000 ናቕፋ መቕጻዕትን፡ ዝዀነ ዝውንንዎ ሊቸንሳ መንግስቲ የሕድጎም ከምዘሎ ውን ይሕበር። ብኣፍልጦ ናይ መንግስቲ ድዩ ወይስ ኣይኰነን ብዘየገድስ፡ ወለድና 50,000 ናቕፋ ዘይኰነስ፡ 70,000 ናቕፋ ኢዮም ከፊሎም ወጺኦም ዝብሉ መንእሰያት ውን ውሑዳት ኣይኰኑን። እቲ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናንቆልቆለ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካውን ምጣነ-ሃብታውን ማሕበራውን ኵነታት ኤርትራ፡ ናብ ተቓውሞን ዓመጽን ከየምርሕ ብምስጋእ ኢዩ ስርዓት ኣስመራ ንመዓንጣ ዘይቆጸሩ ተመሃሮ ከይተረፈ ዝገፍፍ ዘሎ ዝብሉ ተዓዘብቲ ኣለዉ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ ናይ ነዳድን እኽልን ናይ ወጻኢ ሸርፍን ሕጽረት ከምዘሎ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኰይኑ። መብራህቲ ከይተረፈ ብመስርዕ ኢዩ ክዕደል ጀሚሩ ዘሎ።
|
|
|
|